Tuesday, 30 January 2018


ርዕሰ ቤተክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ኤፌ. 523 
ካልኣይ ክፋል

ኣምላኽ እምበር ነቢይ ኣይኮነን
ሰባት መን ከም ዝብልዎ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛሓተቶ መሰረት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ኔሩ፡፡ ሓደ ሓደ ዮሃንስ መጥምቅ፣ ካልኦት ኤልያስ፣ ካልኦት ድማ ኤርምያስ ወይ ካብ ነቢያት ሓዲኡ እዩ ይብሉ፡፡ ኣስዒቡ ጎይታና ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ? ምስ በለ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ ብምባል ካልኦት ሰባት ብዛዕባ መንነቱ ካብ ዝብልዎ ዝተፈለየ መልሲ ሂቡ፡፡
ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ዮሃንስ መጥምቅ፣ ኤልያስን ኤርምያስን ኩሎም ነቢያት ኢዮም፡፡ ይኹን ደኣምበር ጎይታና ነቢይ ዝብል ከይኮነስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ዝብል መንነቱ ምኻኑ ከምዚ ብምባል ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ኦ ስምኦን ወዲ ዮና ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ስጋን ደምን ነዚ ኣይገለፀልካን እሞ ብፁእ ኢኻ፡፡ ኣነውን እብለካ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ እብዚኣ ከውሒ ቤተክርስቲያነይ ክሰርሕ እየ፤ ደገታት ገሃነም እውን ኣይክእልዋን ናይ መንግስተ ሰማያት መኽፈትታት ክህበካ እየ…፡፡ ማቴ.16፣13-19
ስለዚ ጎይታና ነቢይ ተባሂሉ ኣይፅዋዕን ኣምላኽ ደኣምበር…ካብኣቶም እውን ክርስቶስ ብስጋ መፂኡ ንሱ ውን ልዕሊ ኩሉ ኮይኑ ንዘለኣለም ዝተባረኸ ኣምላኽ እዩ፡፡ ከም ዝብል ሮሜ 9፣5 እዚ ማለት ግና ንሱ ብዛዕባ ዝመፅእ ነገር ኮነ ብዛዕባ ሕሉፍ ነገር ኣይፈልጥን ማለት ኣይኮነን፡፡

ካልኦት ካብኡ ብዝረኸብዎ ፀጋ ትንቢት እንትዛረቡ ንሱ ግና ብገዛ ስልጣኑ እንታይ ከም ዝመፅእ ኣቐዲሙ እንትዛረብ ንረክቦ፡፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ፋሲካ ከም ዝኾን ትፈልጡ ኢኹም ወዲ ሰብ ድማ ንክስቀል ተሓላሊፉ ክወሃብ እዩ፡፡ ማቴ.26፣2 ኩሉ ነገር ዝፈልጥ ምኻኑ ድማ ኣብ ወንጌለ ዮሃንስ ከምዚ ተፃሒፉ ኣሎ፡፡ ነገር ግና ኢየሱስ ንኹሎም ሰባት ይፈልጥ ነይሩ፡ ስለ ሰብ እውን ማንም ክምስክር ኣየድልዮን ስለ ዝነበረ ኣይተኣማመኖምን ኔሩ፡፡ ባዕሉ ኣብ ሰብ ዘሎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡፡ዮሃ.2፣24-25
ስለዚ ንነቢያት ሀብተ ትንቢት ንዝህብ ኣምላኽ ነቢይ ኢልካ ምፅዋዕ ብሓደ ገፂ ድፍረት ብካሊእ ገፂ ድማ ዘይምፍላጥ ይኸውን፡፡

ተለማኒ እምበር ለማኒ ኣይኮነን
ምልማን ሓደ ብገዛ ባዕሉ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘይብሉ ግና ፍሉይ ዝኾነ ተፈፃምነት ዘለዎ ልመና ናይ ምልማን ስልጣን ዝተውሃቦ ኣካል ተግባር እዩ፡፡ ስለዚ ድማ ለማኒነት ብመሰረታዊ ሓሳቡ ናይ ፍጡር እምበር ናይ ፈጣሪ ተግባር ኣይኮነን፡፡ ንጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ለማኒ ምባል ድማ ክብሪ ይብፃሓዮ እሞ ፍጡር ማለት ይኸውን፡፡ እዚ ድማ ብመንፀር ቅዱስ መፅሓፍ ክንርኢ እንተለና ፍፁም ጌጋ ኮይኑ ንረክቦ፡፡

ዮሃ. 1፣1
ነባቤ መለኮት ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ወንጌሉ ዝጀመሮ ብትምህርተ ስላሴ እንትኸውን ቃሉ ድማ ከምዚ ይብል፡፡ ብመጀመርታ ቃል ነበረ ቃል እውን ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ ቃል እውን እግዚኣብሄር ነበረ እዚ እውን ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፡፡ እዚ ቃል ድማ ሰብ ከምዝኾነ ቃል እውን ስጋ ኾነ ፀጋን ሓቂን ተመሊኡ ኣባና ሓደረ ብምብል ገሊፅዎ ኣሎ፡፡ ቁ.14 ስለዚ ድማ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብ (ማቴ.16፤16 ) ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ስጋ ኮይኑ ተባሂሉ ዝተዘረበሉ ስለዝኾነ ቅድመ ዓለም ቃል ዝተብሃለ ድኅረ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተብሃለ ባዕሉ ምኻኑ ምርዳእ ይከኣል፡፡ እምበኣርከስ ቃል እውን እግዚኣብሄር ነበረ ኢሉ ኣሎ እሞ ቃል ዝተብሃለ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሄር እምበር ለማኒ ኣይኮነን፡፡

ማቴ. 28፣19
ንመምህረ ኣይሁድ ኒቆዲሞስ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተድኣ ዘይተወሊዱ ናብ እግዚኣብሄር መንግስቲ ክኣቱ ኣይኽእልን ዝብል ዓብዪ ምስጢር /ምስጢረ ጥምቀት/ ዘምሃሮ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ ጥምቀት ምድሓን ከምዘይከኣል ብግልፂ ዘረድእ እዩ፡፡ ጥምቀት ዝንድሕነሉ ዓብዪ ምስጢር እንትኸውን ምድሓን ዝከኣል ድማ ፍፁም መድሓኒት ብዝኾነ እግዚእብሔር ምኻኑ ርዱእ አዩ፡፡ እዚ ናይ ምድሓን ምስጢር  ጥምቀት ክንጥመቕ ዝግባእ መድሓኒት ብዝኾኑ ሽማት/ ኣስማተ ስላሴ/ እንትኸውን ካብዚኦም ሽማት ሓዲኡ ወልድ (…ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ ሉቃ.3.22) ዝብል እዩ፡፡ …ኪዱ እሞ ንኣህዛብ ኩሉ ብኣብ፣ ብወልድ ብቅዱስ መንፈስ ሽም እናጥመቕኹም…ደቀ መዛሙርተይ /ተምሃሮይ/ ግበርዎም ከም ዝብል ማቴ.28፣19፡፡ ብሽሙ ንክንጥመቕ ዝተኣዘዝናሉ መድሓኒት (ኢየሱስ) ዝተብሃለን ዝኾነን ንሱ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ንእግዚእብሄር ድኣ ተለማኒ እምበር ከመይ  ለማኒ ንብሎ ንኽእል?

ዮሃ.10፣30
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንነቱ ንኣይሁድ እናዛረቦም እንተሎ ይቃወምዎ ኔሮም፡፡ ንሱ ግና ንክርድእዎ ደጋጊሙ ይዛረቦም ነበረ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ኣቦና እግዚኣብሄር ኣብ እዩ ብምባል ካብኡ ንምርሓቕ እኹል ምኽንያት ዝረኸቡ ይመስሎም ስለ ዝነበረ ኣነን ኣብን ሓደ ኢና ብምባል ንኣብ ኣምልኽ እንተኢሎም ንዑኡ እውን ኣምላኽ ክብሉ፣ ንኣብ እግዚኣብሄር እንተኢሎም ንዑኡ እውን እግዚኣብሄር ኢሎም ከፅውኡ፣ ንኣብ አቦና እንተኢሎም ንዑኡ እውን ኣቦና ክብሉ ከም ዝግባእ እንትዛረቦም ክወቅዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ዓለም ናይ ባዕሉ ስእልን ኣረዳድኣን ደኣምበር ሓቂ ዝኾነ ትምህርተ እግዚኣብሄር ምስማዕ ኣይደልይን እዩ እሞ፡፡ ኢየሱስ ክርስቶስ (ወልድ) ምስ ኣብ ሓደ ዝኾነ እግዚኣብሄር ደኣምበር ለማኒ ኣይኮነን ኢላ ኣብ ልዕሊ ዝተምሀር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣይ ለማኒ እዩ ዝብል ናይ ክሕደት እምኒ ዘልዕሉ ወገናትና ካባ ኣይሁድ ብምንታይ ይፍለዩ?

ዮሃ 14፣9
ፊልጶስ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዝኸዶ ትፈልጡ ኢኹም…ዝብል ዘረባ ተከቲሉ ናበይ ከም ትኸድ ኣይንፈልጥን …ንኣብ ኣርእየና እሞ ይኣክለና ብምባል ሓተቶ፡፡ ጎይታና ዝሃቦ መልሲ ሕራይ ንኣብ ከርእየኩም እየ ዝብል ኣይነበረን፡፡ የግዳስ ኣንታ ፊልጶስ እዚ ዝኣክል ዘበን ምሳኹም እንትነብር ኣይትፈልጠንን ዶ ንዓይ ዝረኣየ ንኣብ ርእዩ ኣሎ ከመይከ ንኣብ ኣርእየና ትብለኒ ዝብል ኔሩ፡፡ እዚ ዘረድኣና ሓቂ ኣብን ወልድን ብስልጣን ምንም ኣፈላላይ ከም ዘይብሎም ንኣብ ኣርእየና እሞ ይኣክለና ዝብል ባህርያዊ ኣፈላላይ ከምዘለዎም ብምግማት ዝለዓል ሕቶ መልሱ ንዓይ ዝረኣየ ንኣብ ርእዩ ኣሎ፣ ክሳብ ሀዚ ኣይተረዳእኹምኒን ዘብል ምኻኑ ንርዳእ፡፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣብን ምስ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ሓደ እግዚኣብሄር እንተኮይኑ ድኣ ከመይ ጌሩ ለማኒ ይበሃል? እዚ ክሳብ ሀዚ አይትፈጡኒን ዘብል ስለዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብን ቅዱስ መፅሓፍን ናይ ዘይፈልጡ ሰባት ሓሶት ምኻኑ ንርዳእ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ብትንቢተ ነቢያት ኣምላኽ፣ እግዚኣብሄር ተባሂሎም ዝተጠቀሱ ትንቢታት ብኢየሱስ ክርስቶስ ምፍፃሞም (ኢሳ.9፣6፤ መዝ.46፣5 ሉቃ.24፣51፤ መዝ.49፣2 ማቴ.24፣27)፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ፣ ፈጣሪ፣ እግዚኣብሄር ተባሂሉ ምፅዋዑ (ሃዋ.20፣28፤ ሮሜ.9፣5፤ ኤፌ.2፣10)… ስለ መንነቱ ብዝግባ ዘረድኡ እዮም፡፡

እንታይ ማለት?
 ኣነ ግና እምነትኻ ከይጠፍእ ስለንዓኻ ለሚነ ሉቃ.22፣32 …ብስግኡ ኣዋርሕ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል ምስ ብርቱዕ ዐውታን ኣንብዕን ፀሎትን ልመናን አቕረበ ንእግዚብሄር ብምፍርሑ ድማ ተሰሚዕሉ ዕብ.5፣7 ንዝብሉ ናይ ቅዱስ መፅሓፍ ኣገላልፃታት ብሃንደበት ክንርኢ እንተለና ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቐሰን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ደኣምበር ለማኒ ከምዘይኮነ ካብ ዝገልፅን ሓሳብ ዝተፈለየ ክመስለና ይኽእል፡፡ ይኹን ደኣምበር ናይዚኦም ለመነ ፀለየ… ዝብሉ ቃላት ዋና ዓላማ ንሱ ኣምላኽ ስለዘይኮነን ዓቕሚ ስለዘይብሉን ከይኮነስ ኣብ ክንዲ ቀዳማዊ አዳም ዳግማዊ አዳም ኮይኑ መከራ ብምቕባል፣ ልመና ብምልማን ከምዝከሓሰ፣ ነዚ ዓላማ ክብል ድማ ፀሎት፣ ልመና…ዝስማዕምዖ ባህርየ ሰብእ ተዋሂዱ ፍፁም ኣምልኽ ጥራሕ እንተይኮነስ ሓደ ባህርይ ኮይኑ ፍፁም ሰብ እውን ከም ዝኾነ ዘረድእ እዩ፡፡

እዚ ናይ ምልማን ተግባሩ ድማ ካብ ዘይምኽኣል እንተይኮነስ ካብ ምኽኣል ዝተበገሰ (ብትሕትና ሰብ ምኻን ምኽኣል፣ ኣብ ክንዲ ቀዳማዊ አዳም ዳግማይ ኣዳም ምኻን ምኽኣል) ስለ ዝኾነ ፀለየ፣ ለመነ ስለ ዝበለ ዓቕምን ስልጣንን ከምዘይብሉ ፀሎተኛ፣ ለማኒ ክንብሎ ኣይንኽእልን፡፡ ንሱ ሕሉፋትን መፀእትን ዝፈልጥ ብምኻኑ ኣምላከ ነቢያት እምበር ነቢይ ኢልና ከምዘይንፅውዖ ኹሉ ፀለየ ለመነ ስለዝተብሃለ ድማ መሓሪ፣ መምህረ ትህትና፣ ናይ ዓለም መድሓኒት ንብሎ እምበር ለማኒ፣ አማላዲ ኣይንብሎን፡፡ ካብ ቅዱስ መፅሓፍ ሓሳብ ኣንፃር ዝንርድኦ ሓቂ እዚ እዩ እሞ፡፡ 

ይፅነሓልና

No comments:

Post a Comment