Tuesday, 30 January 2018


ርዕሰ ቤተክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ኤፌ. 523 
ካልኣይ ክፋል

ኣምላኽ እምበር ነቢይ ኣይኮነን
ሰባት መን ከም ዝብልዎ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛሓተቶ መሰረት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ኔሩ፡፡ ሓደ ሓደ ዮሃንስ መጥምቅ፣ ካልኦት ኤልያስ፣ ካልኦት ድማ ኤርምያስ ወይ ካብ ነቢያት ሓዲኡ እዩ ይብሉ፡፡ ኣስዒቡ ጎይታና ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ? ምስ በለ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ ብምባል ካልኦት ሰባት ብዛዕባ መንነቱ ካብ ዝብልዎ ዝተፈለየ መልሲ ሂቡ፡፡
ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ዮሃንስ መጥምቅ፣ ኤልያስን ኤርምያስን ኩሎም ነቢያት ኢዮም፡፡ ይኹን ደኣምበር ጎይታና ነቢይ ዝብል ከይኮነስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ዝብል መንነቱ ምኻኑ ከምዚ ብምባል ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ኦ ስምኦን ወዲ ዮና ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ስጋን ደምን ነዚ ኣይገለፀልካን እሞ ብፁእ ኢኻ፡፡ ኣነውን እብለካ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ እብዚኣ ከውሒ ቤተክርስቲያነይ ክሰርሕ እየ፤ ደገታት ገሃነም እውን ኣይክእልዋን ናይ መንግስተ ሰማያት መኽፈትታት ክህበካ እየ…፡፡ ማቴ.16፣13-19
ስለዚ ጎይታና ነቢይ ተባሂሉ ኣይፅዋዕን ኣምላኽ ደኣምበር…ካብኣቶም እውን ክርስቶስ ብስጋ መፂኡ ንሱ ውን ልዕሊ ኩሉ ኮይኑ ንዘለኣለም ዝተባረኸ ኣምላኽ እዩ፡፡ ከም ዝብል ሮሜ 9፣5 እዚ ማለት ግና ንሱ ብዛዕባ ዝመፅእ ነገር ኮነ ብዛዕባ ሕሉፍ ነገር ኣይፈልጥን ማለት ኣይኮነን፡፡

ካልኦት ካብኡ ብዝረኸብዎ ፀጋ ትንቢት እንትዛረቡ ንሱ ግና ብገዛ ስልጣኑ እንታይ ከም ዝመፅእ ኣቐዲሙ እንትዛረብ ንረክቦ፡፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ፋሲካ ከም ዝኾን ትፈልጡ ኢኹም ወዲ ሰብ ድማ ንክስቀል ተሓላሊፉ ክወሃብ እዩ፡፡ ማቴ.26፣2 ኩሉ ነገር ዝፈልጥ ምኻኑ ድማ ኣብ ወንጌለ ዮሃንስ ከምዚ ተፃሒፉ ኣሎ፡፡ ነገር ግና ኢየሱስ ንኹሎም ሰባት ይፈልጥ ነይሩ፡ ስለ ሰብ እውን ማንም ክምስክር ኣየድልዮን ስለ ዝነበረ ኣይተኣማመኖምን ኔሩ፡፡ ባዕሉ ኣብ ሰብ ዘሎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡፡ዮሃ.2፣24-25
ስለዚ ንነቢያት ሀብተ ትንቢት ንዝህብ ኣምላኽ ነቢይ ኢልካ ምፅዋዕ ብሓደ ገፂ ድፍረት ብካሊእ ገፂ ድማ ዘይምፍላጥ ይኸውን፡፡

ተለማኒ እምበር ለማኒ ኣይኮነን
ምልማን ሓደ ብገዛ ባዕሉ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘይብሉ ግና ፍሉይ ዝኾነ ተፈፃምነት ዘለዎ ልመና ናይ ምልማን ስልጣን ዝተውሃቦ ኣካል ተግባር እዩ፡፡ ስለዚ ድማ ለማኒነት ብመሰረታዊ ሓሳቡ ናይ ፍጡር እምበር ናይ ፈጣሪ ተግባር ኣይኮነን፡፡ ንጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ለማኒ ምባል ድማ ክብሪ ይብፃሓዮ እሞ ፍጡር ማለት ይኸውን፡፡ እዚ ድማ ብመንፀር ቅዱስ መፅሓፍ ክንርኢ እንተለና ፍፁም ጌጋ ኮይኑ ንረክቦ፡፡

ዮሃ. 1፣1
ነባቤ መለኮት ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ወንጌሉ ዝጀመሮ ብትምህርተ ስላሴ እንትኸውን ቃሉ ድማ ከምዚ ይብል፡፡ ብመጀመርታ ቃል ነበረ ቃል እውን ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ ቃል እውን እግዚኣብሄር ነበረ እዚ እውን ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፡፡ እዚ ቃል ድማ ሰብ ከምዝኾነ ቃል እውን ስጋ ኾነ ፀጋን ሓቂን ተመሊኡ ኣባና ሓደረ ብምብል ገሊፅዎ ኣሎ፡፡ ቁ.14 ስለዚ ድማ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብ (ማቴ.16፤16 ) ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ስጋ ኮይኑ ተባሂሉ ዝተዘረበሉ ስለዝኾነ ቅድመ ዓለም ቃል ዝተብሃለ ድኅረ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተብሃለ ባዕሉ ምኻኑ ምርዳእ ይከኣል፡፡ እምበኣርከስ ቃል እውን እግዚኣብሄር ነበረ ኢሉ ኣሎ እሞ ቃል ዝተብሃለ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሄር እምበር ለማኒ ኣይኮነን፡፡

ማቴ. 28፣19
ንመምህረ ኣይሁድ ኒቆዲሞስ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተድኣ ዘይተወሊዱ ናብ እግዚኣብሄር መንግስቲ ክኣቱ ኣይኽእልን ዝብል ዓብዪ ምስጢር /ምስጢረ ጥምቀት/ ዘምሃሮ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ ጥምቀት ምድሓን ከምዘይከኣል ብግልፂ ዘረድእ እዩ፡፡ ጥምቀት ዝንድሕነሉ ዓብዪ ምስጢር እንትኸውን ምድሓን ዝከኣል ድማ ፍፁም መድሓኒት ብዝኾነ እግዚእብሔር ምኻኑ ርዱእ አዩ፡፡ እዚ ናይ ምድሓን ምስጢር  ጥምቀት ክንጥመቕ ዝግባእ መድሓኒት ብዝኾኑ ሽማት/ ኣስማተ ስላሴ/ እንትኸውን ካብዚኦም ሽማት ሓዲኡ ወልድ (…ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ ሉቃ.3.22) ዝብል እዩ፡፡ …ኪዱ እሞ ንኣህዛብ ኩሉ ብኣብ፣ ብወልድ ብቅዱስ መንፈስ ሽም እናጥመቕኹም…ደቀ መዛሙርተይ /ተምሃሮይ/ ግበርዎም ከም ዝብል ማቴ.28፣19፡፡ ብሽሙ ንክንጥመቕ ዝተኣዘዝናሉ መድሓኒት (ኢየሱስ) ዝተብሃለን ዝኾነን ንሱ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ንእግዚእብሄር ድኣ ተለማኒ እምበር ከመይ  ለማኒ ንብሎ ንኽእል?

ዮሃ.10፣30
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንነቱ ንኣይሁድ እናዛረቦም እንተሎ ይቃወምዎ ኔሮም፡፡ ንሱ ግና ንክርድእዎ ደጋጊሙ ይዛረቦም ነበረ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ኣቦና እግዚኣብሄር ኣብ እዩ ብምባል ካብኡ ንምርሓቕ እኹል ምኽንያት ዝረኸቡ ይመስሎም ስለ ዝነበረ ኣነን ኣብን ሓደ ኢና ብምባል ንኣብ ኣምልኽ እንተኢሎም ንዑኡ እውን ኣምላኽ ክብሉ፣ ንኣብ እግዚኣብሄር እንተኢሎም ንዑኡ እውን እግዚኣብሄር ኢሎም ከፅውኡ፣ ንኣብ አቦና እንተኢሎም ንዑኡ እውን ኣቦና ክብሉ ከም ዝግባእ እንትዛረቦም ክወቅዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ዓለም ናይ ባዕሉ ስእልን ኣረዳድኣን ደኣምበር ሓቂ ዝኾነ ትምህርተ እግዚኣብሄር ምስማዕ ኣይደልይን እዩ እሞ፡፡ ኢየሱስ ክርስቶስ (ወልድ) ምስ ኣብ ሓደ ዝኾነ እግዚኣብሄር ደኣምበር ለማኒ ኣይኮነን ኢላ ኣብ ልዕሊ ዝተምሀር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣይ ለማኒ እዩ ዝብል ናይ ክሕደት እምኒ ዘልዕሉ ወገናትና ካባ ኣይሁድ ብምንታይ ይፍለዩ?

ዮሃ 14፣9
ፊልጶስ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዝኸዶ ትፈልጡ ኢኹም…ዝብል ዘረባ ተከቲሉ ናበይ ከም ትኸድ ኣይንፈልጥን …ንኣብ ኣርእየና እሞ ይኣክለና ብምባል ሓተቶ፡፡ ጎይታና ዝሃቦ መልሲ ሕራይ ንኣብ ከርእየኩም እየ ዝብል ኣይነበረን፡፡ የግዳስ ኣንታ ፊልጶስ እዚ ዝኣክል ዘበን ምሳኹም እንትነብር ኣይትፈልጠንን ዶ ንዓይ ዝረኣየ ንኣብ ርእዩ ኣሎ ከመይከ ንኣብ ኣርእየና ትብለኒ ዝብል ኔሩ፡፡ እዚ ዘረድኣና ሓቂ ኣብን ወልድን ብስልጣን ምንም ኣፈላላይ ከም ዘይብሎም ንኣብ ኣርእየና እሞ ይኣክለና ዝብል ባህርያዊ ኣፈላላይ ከምዘለዎም ብምግማት ዝለዓል ሕቶ መልሱ ንዓይ ዝረኣየ ንኣብ ርእዩ ኣሎ፣ ክሳብ ሀዚ ኣይተረዳእኹምኒን ዘብል ምኻኑ ንርዳእ፡፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣብን ምስ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ሓደ እግዚኣብሄር እንተኮይኑ ድኣ ከመይ ጌሩ ለማኒ ይበሃል? እዚ ክሳብ ሀዚ አይትፈጡኒን ዘብል ስለዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብን ቅዱስ መፅሓፍን ናይ ዘይፈልጡ ሰባት ሓሶት ምኻኑ ንርዳእ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ብትንቢተ ነቢያት ኣምላኽ፣ እግዚኣብሄር ተባሂሎም ዝተጠቀሱ ትንቢታት ብኢየሱስ ክርስቶስ ምፍፃሞም (ኢሳ.9፣6፤ መዝ.46፣5 ሉቃ.24፣51፤ መዝ.49፣2 ማቴ.24፣27)፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ፣ ፈጣሪ፣ እግዚኣብሄር ተባሂሉ ምፅዋዑ (ሃዋ.20፣28፤ ሮሜ.9፣5፤ ኤፌ.2፣10)… ስለ መንነቱ ብዝግባ ዘረድኡ እዮም፡፡

እንታይ ማለት?
 ኣነ ግና እምነትኻ ከይጠፍእ ስለንዓኻ ለሚነ ሉቃ.22፣32 …ብስግኡ ኣዋርሕ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል ምስ ብርቱዕ ዐውታን ኣንብዕን ፀሎትን ልመናን አቕረበ ንእግዚብሄር ብምፍርሑ ድማ ተሰሚዕሉ ዕብ.5፣7 ንዝብሉ ናይ ቅዱስ መፅሓፍ ኣገላልፃታት ብሃንደበት ክንርኢ እንተለና ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቐሰን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ደኣምበር ለማኒ ከምዘይኮነ ካብ ዝገልፅን ሓሳብ ዝተፈለየ ክመስለና ይኽእል፡፡ ይኹን ደኣምበር ናይዚኦም ለመነ ፀለየ… ዝብሉ ቃላት ዋና ዓላማ ንሱ ኣምላኽ ስለዘይኮነን ዓቕሚ ስለዘይብሉን ከይኮነስ ኣብ ክንዲ ቀዳማዊ አዳም ዳግማዊ አዳም ኮይኑ መከራ ብምቕባል፣ ልመና ብምልማን ከምዝከሓሰ፣ ነዚ ዓላማ ክብል ድማ ፀሎት፣ ልመና…ዝስማዕምዖ ባህርየ ሰብእ ተዋሂዱ ፍፁም ኣምልኽ ጥራሕ እንተይኮነስ ሓደ ባህርይ ኮይኑ ፍፁም ሰብ እውን ከም ዝኾነ ዘረድእ እዩ፡፡

እዚ ናይ ምልማን ተግባሩ ድማ ካብ ዘይምኽኣል እንተይኮነስ ካብ ምኽኣል ዝተበገሰ (ብትሕትና ሰብ ምኻን ምኽኣል፣ ኣብ ክንዲ ቀዳማዊ አዳም ዳግማይ ኣዳም ምኻን ምኽኣል) ስለ ዝኾነ ፀለየ፣ ለመነ ስለ ዝበለ ዓቕምን ስልጣንን ከምዘይብሉ ፀሎተኛ፣ ለማኒ ክንብሎ ኣይንኽእልን፡፡ ንሱ ሕሉፋትን መፀእትን ዝፈልጥ ብምኻኑ ኣምላከ ነቢያት እምበር ነቢይ ኢልና ከምዘይንፅውዖ ኹሉ ፀለየ ለመነ ስለዝተብሃለ ድማ መሓሪ፣ መምህረ ትህትና፣ ናይ ዓለም መድሓኒት ንብሎ እምበር ለማኒ፣ አማላዲ ኣይንብሎን፡፡ ካብ ቅዱስ መፅሓፍ ሓሳብ ኣንፃር ዝንርድኦ ሓቂ እዚ እዩ እሞ፡፡ 

ይፅነሓልና

Wednesday, 6 December 2017



ርዕሰ ቤተክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ኤፌ. 523 

ቀዳማይ ክፋል


ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣይሁድ ኣብ ዝነበሮ ዘረባ ንስ¥ትኩም ካብ አቦ¤<ም ካብ ዲያብሎስ ኢ¤<ም…ንሱ ካብ ፈለማ ቀታሊ ነፍሲ ነይሩ፤ ሓቂ ምስኡ ስለዘይነበረት ድማ ብሓቂ አይፀንዐን፡፡ ሓሶት ክዛረብ እንከሎ ካብ ርእሱ ይዛረብ ሓሳዊን ናይ ሓሶት አቦን ስለ ዝ§ነ፡፡ ኢሉዎም ነይሩ፡፡ዮሃ.8፣44

ዋላኳ ኣይሁድ ሰባት ም¥Dኖምን ባዕሉ ዝዛረቦም ዘሎ እግዚአብሄር ዝፈጠሮምን ም¥Dኑ ፍሉጥ እንተ§ነ ናይ ኣይሁድ ተግባር ካብ እግዚአብሄር ዝረሓቐ፣ ንዲያብሎስ ዝቐረበ ስለዝነበረ፣ ሓቂ ንዝኾነ አምላክ ኣብ ክንዲ ምቕባል ብሓሶት ዝጓዓዙ ስለዝነበሩ ከምዚ ክብሎም ክኢሉ፡፡ እዚ ፈላሚኡ ዲያብሎስ ዝ§ነ ብሓሶት ናይ ምጉዓዝ ተግባር ድማ ካብ ጥንቲ ክሳብ ናይ ዓለም ፍፃመ ዝቕፅል ፈተነ እዩ፡፡ እነሆ ድማ እዚ ሓሶት ኣብ ዘበንና ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝተለዓሉ አካላት ተግባር ኮይኑ ንርእዮ ኣለና፡፡

እዞም ሰባት ተሃድሶ እናተብሃለ ናይ ዝፅዋዕን ነዛ ጥንታዊት፣ ሃዋርያዊት፣ ኩላዊትን ብሕታዊትን ቤተ ክርስቲያን ናይ ምጥፋእ ዕላማ ሒዙ ዝጓዓዝ ምንቅስቓስ ኣካላት አንት§ኑ ዕላምኦም ንምፍፃም ድማ ዝተፈላለዩ መንገድታት ይኽተሉ፡፡ ብዚ ፅሑፍ ትኹረት ዝግበረሉ ካብቶም ብዙሓት ሓሶታቶም ሓዲኡ ቤተ ክርስቲያን ንኢየሱስ አይትሰብኽን ዝብል እዩ፡፡ ናይዚ ፅሑፍ ሙሉእ ትኹረት እውን አብዚ ዛዕባ ይኸውን፡፡

እንታይነት ምስባኽ ኢየሱስ ክርስቶስ

ገለ ገለ ሰባት ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስባኽ ማለት ኢየሱስ፣ ኢየሱስ እናበልኻ ምውዓል ወይ ከዓ ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ እናበልኻ ምጭራሕን ሆ ሆ ምባልን ይመስሎም ኣሎ፡፡ ብመሰረቱ ፈቃደ እግዚኣብሄር ብዝግባእ ምፍፃም ደኣምበር ጎይታይ ጎይታይ እናበልካ ምፅዋዕ ጥራሕ ትርጉም ከምዘይብሉ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምሂሩና ኣሎ፡፡ 

ኣብታ ዕለት ብዙሓት ኦ ጎይታ ኦ ጎይታ ብሽምካ ትንቢት ኣይተዛረብናን ዶ ብሽምካስ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን ዶ ብሽምካስ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበርናን ዶ ይብሉኒ እዮም፡፡ ሽዑ ድማ ፈፂመ ኣይፈልጠኩምን ኣንቱም ዓመፅቲ ካባይ ረሓቑ ኢለ ኣብ ልዕሊኦም ክምስክር እየ ፡፡ ይብለና ኣሎ ኣብ ማቴ. 7፣ 21-23፡፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስባኽ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ኣብ ክንዲ ናይ ዓርስና ስምዒት ምኽታል ብመንፀር ቅዱስ መፅሓፍ ምምርማር ይግባእ፡፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ትምህርቲ እውን መሰረቱ ቅዱስ መፅሓፍ እዩ፡፡

ብዛዕባ መንነት ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዓና እንታይ ከም ዝገበረልና ከምኡ እውን ክንገብሮ ዝኣዘዘና ፈቓዱ ምርዳእ፣ ምእማንን ምፍፃምን ምስባኽ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡፡ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ፊልጶስ ቂሳርያ ምስ በፅሐ ንደቂ መዛሙርቱ ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ ኢሉ ብዛዕባ ናቱ መንነት ሓቲትዎም ነይሩ፡፡ ሰባት  ንዝተፈላለዩ ነቢያት እናፀውዑ እገለ ይብሉኻ እናበሉ ምስመለሱሉ ንስኻትኩምከ መን ትብሉን ንዝብል ሕቶኡ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ ብምባሉ ከውሒ ከም ዝተብሃለ ተገሊፁ ኣሎ፡፡ ማቴ.16፣13-19 ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ትምህርቲን ግልጋሎትን ንኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ከም ዝሰብኽ ክንርኢ ኢና፡፡


ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስባኽ መንነቱ ብዝግባእ ብምርዳእን ብምእማንን


ሓቀኛ ስብከት ብዛዕባ እቲ ዝስበኽ ኣካል መንነት አቐዲምካ ምርዳእ ይደሊ፡፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስባኽ እንትበሃል ፈለማ ንሱ መን እዩ? ዝብል ዓቢዪ ሕቶ ምሕታትን ግቡእ መልሲ ምርካብን የድሊ፡፡ እንተዘይኮይኑ ግና ብናይ ሽም ሞክሺ ምጉዓዝ ይኸውን፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ እምነት ዘለዉ ሰባት ኢየሱስ ኢሎም ክፅውዑ ይኸእሉ እዮም፤ ግና ኩሎም ነቲ ሓደ ኢየሱስ እናፀውዑ ኣይኮኑን፡ በብ በብቤተ እምነቶም ስለመንነቱ ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ስለዘለዎም፡፡

ኢየሱስ መን እዩ? ንዝብል ሕቶ ብእስልምና ነቢይ፣ ብ ፕሮቴስታንት ለማኒ-ጎይታ፣ ብካቶሊክ ክልተ ባህርይ ዝብሉ መልስታት እንትወሃቡ ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ድማ ሓደ ባህርይ ኣምላኽ ዝብል እዩ፡፡ ኣርባዕቲኦም ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ መንነት እንትህብዎ ንርኢ ኣለና፡፡ ኣርባዕቲኦም ሓደ ዝኾኑሉ ሓደ ሽም ኢየሱስ ዝብል ብምፅውዖም ደኣምበር ነቲ ኣብ ቅዱስ መፅሓፍ ንዝተገለፀ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምርዳእ ፈፂሞም ዝተፈላለዩ እዮም፡፡ ነዚ ድማ እዩ ሞኽሺ ሽም ብምፅዋዕ ደኣምበር ነቲ ሓቀኛ ኢየሱስ ብምርዳእ ዝተፈላለዩ ዝኾኑ፡፡ ሞኽሺ ሽም ዝፀውዑ ኣካላት ኩሎም ድማ ነቲ ሓደ ሓቀኛ ኢየሱስ ብትኽክል ክገልፅዎ አይክእሉን፡፡

 ስለዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣይትሰብኽን እንትበሃል እንተሎ ኣቐዲሙ ንኣየናይ ኢየሱስ እያ ዘይትሰብኽ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ ከም እስላም ንኢየሱስ ትሕቲ ነቢዩ መሓመድ ዝ§ነ ነቢይ፣ ከም ፕሮቴስታንት፣ ለማኒ ወይ ድማ ፍጡር፣ ከም ካቶሊክ እውን ክልተ ባህርይ ኣይትብልን፤ ከምዚ ዝግለፅ ኢየሱስ ዝበሃል ኣካል እውን ከም ዘሎ ኣይትኣምንን፡፡ ስለዚ ቤተክርስቲያን ንኢየሱስ ኣይትሰብኽን እንትበሃል እንከሎ ንሱ ነቢይ፣ ለማኒ/ፍጡር፣ ክልተ ባህርይ እዩ ኣይትብልን ማለት ብምኳኑ እወ ንሱ ካብ ክልተ ባህርያት ሓደ ባህርይ ካብ ክልተ ኣካላት ሓደ ኣካል፣ ንነቢያት ሀብተ ትንቢት ዝህብ ሰብ ዝ§ነ ኣምላኽ ኢላ እያ ዝተምህር ዝብል ትክክለኛ መልሲ እዩ፡፡

ብካሊእ መልክዑ ድማ ኣብ ቅዱስ መፅሓፍ ዝተገለፀ ኢየሱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝትገልፆ ኣይኮነን ዝብሉ ኣካላት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ክሳብ ሀዚ ንቀፃሊ እውን ከም ዝነበሩ፣ ዘለዉን ዝህልዉን ግልፂ እዩ፡፡

ይፅነሓልና

Monday, 13 November 2017